ጥቕሉል ዕዳ

ጥቕሉል ዕዳ

ፕሮፌሰር መድሃኔ ሓወይ ኢዩ። ከይነገረና ናብ ኤርትራ ምስ ከደ፣ ድሕሪ ወርሒ ኢና ብዛዕባ ሞቱ ፈሊጥና። ዋላ’ኳ ሓደ-ሓደ እዋን ሃንደበት ይቑጣዕ እንተነበረ፣ ብሓፈሻኡ ግን ህዱእን ተዋዛዪን ኢዩ ነይሩ፤ ስለዚ ድማ ምኽንያት ሞቱ ክሳዕ ሕጂ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ምስ ባዶ ሳምሶናይቱ ኣብ ዝተዋህበትና መዝገብ እዛ ጽሕፍቲ ጸኒሓትና። ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ መልእኽቲ ስለዝተጻሕፋ ከም ዘለዋ አቕርባ ኣለኹ።

***

ሰኑይ 24-05-2027

ኣብ መዓልቦ ነፈርቲ ኣስመራ ወሪደ ኣለኹ። ዋላ’ኳ እታ ዘምጽኣትና በረራ ብሰንኪ ዋሕዲ ገያሾ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ሓንሳብ ጥራሕ ትግበር እንተኾነት እቶም ዝወረድና ተጓዓዝቲ ካብ ሓምሳ ንበዝሕ ዝነበርና ኣይመስለንን። ብዘይካ ኣብ ኢደይ ዝዓተርክዋ ሳምሶናይት ካልእ ንብረት ኣይተሰከምኩን። ብመንጎ’ቶም ሓደ ክልተ፣ ስም ዝተጻሕፎ ሰሌዳ ወረቐት ኣብ ኣፍልቦም ኣጸጊዖም ቀባሕባሕ ዝብሉ ዝነበሩ ተጸበይቲ ሓሊፈ ናብቲ መውጽኢ ከምርሕ ከለኹ ሓንቲ ኣብ ክሳዳ ጸሊም በሰላ ዝነበራ ቀያሕ ጎርዞ እናጎየየት መጺኣ “ኣምለሶም?” በለትኒ። ዝተደናገረ ስምዒት ኣብ ገጸይ ምስረኣየት ግን ንኽምልስ’ውን ዕድል ከይሃበትኒ ኢዳ ነጺጋትለይ ግልብጥ በለት።

ኣብቲ ደገ ታክሲ ንኽረክብ ኣዒንተይ ኣኹሊለ፣ ሰኣንኩ። ገና ነቲ ኩነታት ክርዳእ ዕድል ከይረኸብኩ ግን፣ ሰለስተ መናእሰይ ዘሊሎም ከበቡኒ። “ዓምና! ታክሲ ዲኹም ደሊኹም? ንዑ በዚ!” በለኒ እቲ ሓደ ቀልጻም ብምናተይ እናወጠጠ። ነቶም ክልተ ካልኦት ብነድሪ ኣፍጢጡ ምስጠመቶም ብዘይ ዘረባ ኣዝለቑ። ስግኣት እናተሰምዓኒ ኣብታ ናብ ታክሲ ዝተቐየረት ናይ ገዛ ኣረጊት ኮሮላ ተሰቒለ ቦታ ሓበርክዎ።

“60 ዶላር” በለኒ ሞተረ እናልዓለ።

“እዋእ! ካብዚ ንዕዳጋ ሓሙስ?”

“እንተወሓደ፣ እቲ ዕስራ ዶላር ነቶም ትራፊክ ኢዩ…ካብኡ ናይ ነዳዲ ኣውጽኣሉ ዓምና፣ ብፍላይ ሕጂ ድማ ሰዓት ዕልቕልቕ ኢዩ፣ ጠጠው እናበልና ስለንኸይድ ህንኩት ከተብሎ’ያ”

“ክንደይ ዲኻ ገይርካ ካብ ትወጽእ?” ኣስዓበ ጽንሕ ኢሉ።

“ነዊሕ ገይረ” ኣሕጺረ መሊሰ ፊተይ ናብ ደገ ኣዞርኩ።

“ብልቢ’የ፣ ሕጂ እንተመጺእካስ ብዙሕ ሓድሽ ነገር ይጽበየካ ኣሎ ኢለ’የ።” ወሰኸ፣ ኢዱ እናሰደደለይ። “ሰለሙን እበሃል።”

ኣብ ፈርሲ ኢዱ ውቃጦ ኣብ በትሪ ወይ ጉንዲ ዝተጠምጠመ ተመን ወይ ገበል ነበሮ። ንፉዕ ሰኣሊ ኣይወቀጣን። “ካብ ትወጽእ ነዊሕዶ ገይርካ?” ሓተተኒ።

“2013። መወዳእታ 2013።” መለስኩ፣ ንስመይ ኣስዒበ። ነዊሕ ደቓይቕ ብዘይ ዘረባ ተጓዓዝና። ኣዒንተይ ብመስኮት ልኢኸ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተፋነኽዎ ጎላጉል ሰምበል ይጥምቶ ነይረ። ሓሓሊፈን ዝተቓጸላ ናይ ሲቪልን ወተሃደራውን መካይን ኣብቲ ጎልጎል ፋሕ-ፋሕ ኢለን ነይረን።

“እዛ ብየማን ዘላ ላንድክሩዘር….” በለኒ ከባቢ እንዳ ኦሞ ዝነበረ ምስበጻሕና፣ “ናይ ጀነራል ሃይለ ዝነበረት’ያ። ንሱን ደስበለን ኢዮም ነይሮም፣ ናብቶም ሽዑ ኣየርፖርት ገና ሒዞማ ዝነበሩ ሰራዊቶም ክጽንበሩ ክብሉ ኣብዚኣ ከቲርናዮም።”

ከም ዝዝክሮ ኣብ ሲ.ኤን.ኤን ብዕጡቓት ተቓወምቲ ሰራዊት ሕድሪ ከምዝተቐትሉ ኢዩ ተገሊጹ ነይሩ።

“ኣባል ሰራዊት ዲኻ?” ሓተትክዎ ኣቐዲመ ምፍላጥ ዝሓሸ ኮይኑ ስለዝተሰምዓኒ።

ሕቶይ ቆብ ኣበሎ። “እቲ ኣብ ዜና ዝተኸታተልኩሞ ፍርቁ ሓሶት’ዩ። ከምቲ ዝግለጽ ኣይኮነን። ሰራዊት ሕድሪ ከምኡ’ውን ሰራዊት ድሕነት ደሓር ኢዮም ተጸምቢሮምና። ብባዶ ኢድና ኢና ዳርጋ ኩሉ ፈጺምናዮ። ዝገርመካ ንበዓል ሃይለ ኣብዚ ክንሕዞም ከለና ኣነ ብኣካል ኣብኡ ነይረ፣ ነቲ ናይ ቀሓውታ መዓስከር ድሕሪ ምቁጽጻርና ኢና ሰበስልጣናት ክሃድሙ ጀሚሮም ሰሚዕና ናብዚ ጎዪና”

“ሓሊፉ!” ነቲ ስቴርሶ ብስምዒት ጸፍዖ።

ዕድመኡ ክግመት ፈተንኩ። ካብ ዕስራ ወይ ዕስራን ክልተን ዝሓልፍ ኣይመስለንን። ብሓይሊ ኣዘራርባኡን ነድሪ ኣጠማምታኡን ስለዝመለኸኒ ግዲ ኮይኑ ግን ተዓብሊለ ነይረ።

“ዝሓለፈ ሓሊፉ’ሎ” ኣዕሚቑ ኣስተንፈሰ፣ “ሕጂ ግን ደርፊ ክጋብዘካ”። ካብ መስርዕ ደርፍታት ኣማሪጹ ሓንቲ ከፈተ። እታ ደርፊ ንእዝነይ ሓዳስ ኣይነበረትን፣ ቀቅድሚ ኩነታት ማሕሙድ ክያና ኣብ ፍራንክፈርት ዝተገብረ ፈስቲቫል ሰውራውያን ዝደረፋ ኢያ።

እታ ደርፊ ኣብ ምውድኣ ሓንቲ ሕቶ መጸትኒ።

“ኣብ ከባቢ 2012 ንኩሉ ህዝቢ ብረት ተዓዲሉዶ ኣይነበረን፣ ከመይ ኢሉ ዕጥቂ ዘይነበረኩም?” ሓተትክዎ።

“ድሕሪ ራብዓይ ኲናት፣ ንኹሉ ሰብ ብረቱ ከምዘራገፍዎ እዝክር። ኣነ’ኳ ሽዑ ዓስራይ ክፍሊ ኢየ ነይረ፣ ከምዝመስለኒ ግን ኣብቲ ወራር ናይቶም መንእሰያት ደገፍ ስለዘይነበሮ እቶም ዓበይቲ’ዮም ብብዝሒ ተሳቲፎሞ። ሕጂ ጋሻ ስለዝኾንካ’ምበር ድሕሪ ቁሩብ ከተስተብህለሉ ኢኻ ነዚ ከተማ፣ ዓበይቲ ዝብሃሉ ዳርጋ ኣይክትርኢን ኢኻ እንትርፎ  ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፉ ሓደ-ሓደ። እሙናት ሰራዊቶም ንሳቶም ጥራሕ ስለዝነበሩ ኣብ ራብዓይ ወራሮም ንኹሎም የእትዮም ወዲኦሞም ኢዮም። ድሕሪኡ ካብቲ ናይ መንእሰያት ነድሪ ዝከላኸለሎም ሓይሊ ከምዘይነበረ ስለዝተረድኡ ተጓይዮም ነተን ብረት’ዮም ኣኪቦመን። እምበር ሰሙን እኳ ኣይምጸንሑን ዓጢቕና እንተንነብርስ፣ ኩላ ሰብ ንሞት ንዒቓታ እንድያ ብድሕሪኡ ድኣ!”

ኣብ ከባቢ ናቕፋ ሃውስ ዝነበረ ምስ በጻሕና ዘየሕልፍ ‘ጃም’ ስለዝነበረ ጠጠው ክንብል ተገደድና። ኣነ ኣስመራ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ፈጺመ ክንዳኡ ዕልቕልቕ መካይን ርእየ ኣይፈልጥን’የ።

መንከሰይ ኣብ ኢደይ ደጊፈ ኣብ ሓሳብ ጠሓልኩ። ኣደይ ማዕጾ ከፊታ ምስረኣየትኒ መጀመርታ ተደናጊራ ክትጥምተኒ፣ ፍሽኽ ምስበልኩ ግን ሃንደበት ስመይ ጸዊዓ እናዓለለት ክትጥምጠመኒ ትርኣየኒ ነይራ። ውሽጠይ ግን ርዒዱ ነበረ፣ ብነዊሕ ኣዕሚቐ ኣስተንፈስኩ።

“እዞም ናይ እስራኤል፣ ንሶምን ኣሕዋቶምን ማኪና ዘይብሉ ይከሰስ! ብዘይካ ኣስመራ ካልእ ከተማ ዘሎ ኣይመስሎምን’ዩ በቃ!” ንመረረ ሰለሙን ጎቦ ልበይ ኮይነ ሰማዕክዎ።

 

ሓደ ቈልዓ ኢዱ ብምልክት ልመና እናንቀሳቐሰ ብመስኮት ናይታ ታክሲ ኳሕኩሐ። መስኮት ክፍት ምስ ኣበልኩሉ ካልኦት ሓሙሽተ ቈልዑ ስዒቦሞ ንሓድሕዶም እናተጻፍዑ ተሃንዲዶም ብምምጻእ ነናቶም መዝሙር ልመና ከስምዑና ጀመሩ። ሕሰም መንብሮኦም ኣብቲ ዝማጠጎ መዓጓጉርቶምን ዝተቐራረፈ ከናፍሮምን እርእዮ ስለዝነበርኩ ምስክር ኣይደለኹሉን። ጁባይ ሃሰስ እንተበልኩ እቲ ዝወሓደ ዝሓዝክዎ ናይ 100 ዶላር ጥቕላል’ዩ፣ ዝብላዕ ነገር’ውን ኣይነበረንን። ሕፍረት እኳ እንተተሰምዓኒ፣ ገጸይ ኣዕቲበ፣ “ይቕረታ፣ ሽሩፍ ኣይሓዝኩን” ኢለዮም ቬትሮ ዓጸኽዎ። ንእለት በጻብዖምን ብኣፎምን ክጻረፉ ጀመሩ፣ ጽንሕ ኢሎም’ውን ብደርፊ መልክዕ ቀጸልዎ።

 

ሓወይ ውሒጣቶ ምድረበዳ ሲና

በዓል ኣሜሪካ መርድእ ሰዲዱልና

ኣንታ በዓል ዶላር ትወድእኻ መንደፍ

ስዕስዕ ዝሓገኻ ብከበሮ ህግደፍ

ኣነ ዝጸላእኩ ነዞም ዘመሳምሱ

ሓሚመ ዘይበጽሑ ምስሞትኩ ዘልቅሱ

ሰለሙን ስንባደይ እናረኣየ ይዘናጋዕ ነይሩ። “እዚኣቶም! ኣይ ኣኼሳት እንድዮም!” በለ እናሰሓቐ።

ብዝሒ ናይቶም ካብ ማኪና ናብ ማኪና እናተጓየዩ ዝልምኑ ዝነበሩ ቈልዑ ኣስደመመኒ።

“እዞም ኩላቶም ትርእዮም ዘለኻ ደቂ’ቶም ኣብቲ ኲናት ዝጠፍኡ ኢዮም። ቀደም እቲ ስርዓት፣ መታን ኣብ መንጎ’ቶም መንእሰያትን ዓበይትን ዘይምትእምማን ክፈጥር፣  ልዕሊ’ቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ መንእሰይ እናተኸናኸነ ስሩዕ ደሞዝ ገይርሎም ነይሩ። ሕጂ ግን ከምዛ ትርእያ ተደርብዮም እንሀልካ፣ ኣይ ምስ ደቂ ስውኣት ኣይ ምስ ደቂ ባዕዲ ተሓሲቦም ሓጢኣት ኣቦታቶም ይስከሙ።”

ኣልቅስ ኣልቅስ እኳ እንተመጸኒ ከምቲ እቶም ቈልዑ ዝበልዎ ዘልቅሰሉ ግዜ ስለዘይነበረ ተቓሊሰ ወሓጥክዎ።

መዕረፊ ክረኽበሉ ንኣዒንተይ ካብ ውሽጢ’ታ ታክሲ ናብ ደገ፣ ካብ ደገ ድማ ናብ ውሽጢ ኣመላሊሰ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ውሽጢ’ታ ታክሲ ኣብ ዝነበረት ጻዕዳን ጸሊምን ስእሊ ሓደ ጀብጀብ መንእሰይ ኣዕረፍክወን። ቅድሚኡ ዝራእኽዎ ኮይኑ ስለዝተሰምዓኒ ንኸምጽኦ ተጋደልኩ። ኣብ መወዳእታ ዘኪረዮ፣ ወዲ ዓፋ ኢዩ።

“ወዲ ዓፋ?” ናብታ ስእሊ ኣመልከትኩሉ።

“ወዲ ዓፋ’ወታ! እዚ ጅግና!” ሰሓቐ።

“ቀደም’ውን ሓደ ኢብራሂም ዓፋ ዝበሃል ጅግና ነይሩ፣ ትፈልጦ ዲኻ?”

“ናይ መዓስ ቀደም? መን ኢብራሂም ዓፋ?”

“ሓደ ካብ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ”

“ህዝባዊ ግንባር ክበሃል ሰሚዐ ኣለኹ፣ ቅድሚ ህግደፍ ዝነበሩ’ዮም ሓቀይ?” ሓተተኒ ደርፊ እናቐየረ። ክምልስ ኣፈይ ከፊተ ኣብ መንጎ ኣቋረጽኩ፣ እንታይ ከም ዝብሎ ኣይፈለጥኩን።

ፍረ ሽጋራ ኣውጺአ ኣብ ኣፈይ ቃቐርክዋ፣ ወሪደ ክስሕብ ተሃዊኸ ነይረ።

“ጸገም የለን ኣብዚ ክትስሕባ ትኽእል ኢኻ”

ክልተ ግዜ ኣዕሚቐ ምስ ሰሓብክዋ እቲ ኣእምሮይ ክዕፍነኒ ዝጀመረ ደበና ብመጠኑ ተቐንጠጠለይ።

“በይንኻ ዲኻ ዋላስ ምስ ስድራኻ?” ሓተትክዎ።

ካብ ፎደራ ጃኬቱ ፖርትፎልዮ ኣውጺኡ ኣቐበለኒ። መንከሳ ከም ናቱ ብልሕ ዝበለ ምጭውጢ ቆልዓን ኣዲኣን።

“ሄራልድ ጓለይ፣ ብዓልቲ ቤተይ ድማ ኣይዳ” ብሓበን ገለጸለይ።

“ምጭውቲ ጓል ኣላትካ፣ ክንደይ ገይራ?”

“ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን”

“ንስኻ’ኸ?” ግደኡ ሓተተኒ።

ስእሊ ናይ ሰለስቴና ሞባይለይ ኣቕሪበ ኣርኣኽዎ። “በዓልቲ ቤተይ ናታልያ፣ እዚኣ ድማ ሃና ጓለይ። ሕጂ ሃይስኩል ተመሪቓ”  ኣነ’ውን ከም ጋሻ ነቲ ስእሊ ቀው ኢለ ምስኡ ጠመትክዎ።

“ሰበይትኻ ጻዕዳ’ያ!” በለኒ ብሓውሲ ኣድናቖት።

“ኮሎምብያዊት ኢያ። ብሓደ ኢና ንሰርሕ”

“እንታይ ዲኻ ትሰርሕ?”

“መምህር’የ፣ መምህር ናይ ታሪኽ”

ብዙሕ ኣይተመሰጠን። እተን ቅድሜና ዝነበራ መካይን ክንቀሳቐሳ ስለዝጀመራ ማርሻ ቀዪሩ ሰዓበን።

ክይድ-ደው እናበልና ጎደና ሰማእታት ኣፋረቕናዮ። እታ ቅድሚ ምእሳሮም ምስ ኣዕሩኽተይ መማሰዪትና ዝነበረት ሲነማ ሮማ መናድቓ ተለሓሒጹን፣ ብከንብቦም ዘይከኣልኩ ጽሕፈታት ተበሓናጪሩን ነይሩ። ኣብቲ ማዕጾ ሓደ ኣውቶማቲክ ብረት ዝተሰከመ በዓል ጸሊም ዳቢስታ ወተሃደር ኣፍልቡ ቖብቂቡ ቆይሙ ነበረ።

“ሰራዊት ሕድሪ ግዚያዊ ቤት-ጽሕፈቶም ገይሮሞ ኣለዉ” ገለጸለይ።

ኣብ ፈቖዶኡ  ብጸሊም ቦያ ዝተጻሓገረ ጽሑፋት ነቲ መናድቕ ሸፊንዎ ነይሩ። “ሰውራና ኣብ መናድቕ ኢዩ ጀሚሩ” በለኒ ዘባል ክምስታ ኣሰንዩ።

ሲቲ-ፓርክ ሓሊፍና ናብ ጎደና ሓርነት ምስተቐልቀልና፣ ተዘዘዝ በለኒ። እቲ ኣብ ቅድሜና ክሳብ ኣደባባይ ተነጺፉ ዝነበረ ጎደና ከምቲ ዝዝክሮ ኣይነበረን፣ ሽል ኢሉ ዘሰንብድ ምስሊ ሒዙ ነበረ። እቶም ስየታት ጎተናኦም ስለዘይነበረ ምዃኑ ከለሊ ገለ ካልኢታት ወሲዱለይ። እቲ ግርማ ጎደና ሓርነት ዝነበረ ኣቑጽልቶም ኣይነበረን፣ ሒደት ድማ ንቑልቁል ዝተንጠልጠለ ንቑጽ ኣቑጽልቲ ሓዚሎም ተሪፎም ነበሩ። ገመድ ዘይተዘርግሖም ኣጉናድ ኤለክትሪክ ኮይኖም ተራእዩኒ።

“እንታይ ረኺብዎም እዞም ስየታት!”

ብስያፍን ብጽያፍን ተመልከተኒ። “ኣይኮነን ስየ ሰብ ከማን ዝሰትዮ ኣይረኸበን!” ንቕድሚት እናጠመተ መለሰለይ።

ካቴድራለ ሓሊፍና ንጸጋም ብምጥዋይ ናብቲ ዝዓበኹሉ ገዛውቲ ኣቕናዕና። ገዛና ድሕሪ ቤተክርስትያን ሉተራን ኣብ ዘሎ መንበሪ ሰርቪሳት ኢዩ። ቅድሚኡ ግን ክልተ ግዜ ገዛ ከምዝቐየርና እዝከረኒ፣ ሓንሳብ ኣባሻውል ሓንሳብ ድማ ጎዳይፍ ተቐሚጥና ነይርና። ካብ ሻውዓይ ክፍሊ ኣትሒዘ ክሳብ’ታ መወዳእታ ዝወጻእኩላ ዕለት ግን ኣብዛ ናይ ዕዳጋ-ሓሙስ ገዛና ኢና ነይርና። ከም ሓቂ፣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብተን ዘካረያና ሰበይቲ ምስ ገዛእኩሎም ኢዩ ‘ገዛና’ ኮይኑ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናብ ገዛና ዝቐረብናላ ርሕቀት ተርባጸይ ዓረገ። ንዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ደሃይ ስድራይ ኣይነበረንን። ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩስ ኩሉ ኣብ ደገ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ። ከምትዝክርዎ፣ ካብ ቀቅድሚ’ቲ ኩናት ኣትሒዙ እተን ተሪፈን ዝነበራ ናይ ተሌፎንን ፖስታን ኣገልግሎታት’ውን ምስተቛረጻ፣ ብዘይካ ሓደ ሓደ ሃዲሞም ዝወጹ ሰባት ዝሃብዎ ድሃይ ብዛዕባ ሃለዋት ስድራ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ እታ ሃገር ባዕላ’ውን ዝፍለጥ ነገር ኣይነበረን። እቲ ኲናት ይካየድ ከምዝነበረ በቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍኖ ዝነበረ ዜና ጥራሕ ኢና ንከታተሎ ነይርና።

“እንታይ ድኣ ዝን ኢልካ?”

ክምልሰሉ ኢለ፣ ድምጸይ ኣብ ጉሮሮይ ተሓኒቑ ተረፈ።

“ኣጆኻ ኣይትጀጁ፣ ከምትረኽቦም እመን። እንተዘይኮይኑ ድማ ንኹሉ ድልው ኩን” ሕቖይ ክልተ ግዜ ጠብ-ጠብ ኣበለኒ። “ማፊ መሽክላ ዓምና!”

ነታ ታክሲ ኣብ ጽላል ሓደ መንደቕ ኣጸጊዑ ሞተረ ኣጥፍአ። ሳምሶናይተይ ጨቢጠ ወረድኩ። ዋርዋር ትብል ጸሓይ’ያ፣ ካብ እግሪ’ቲ መናድቕ ብርቱዕ ሽታ ሽንቲ ብሓይሊ ሙቐታ ተኒኑ ይፍኖ ነይሩ። ሓይለይ ጠራኒፈ፣ ፍሽኽታ ለጊሰ ተፋነኽዎ’ሞ ናብታ ሕብራ’ውን ዘይለወጥት ማዕጾ ካንሸሎና ቀሪበ ቆምኩ። ኣብቲ ከባቢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ድምጺ ዝጻወቱ ቈልዑ ዘይምንባሩ ግን ግንብንብ በለኒ።

ሰለስተ ግዜ ኣፍኩስ ኣቢለ ኳሕኲሐ ኣቢለ መልሲ ተጸበኹ። ድምጺ ኣደይ ክሰምዕ ትንፋሰይ ሓቢአ ኣእዛነይ ኩር ኣበልክወን። መልሲ ኣይነበረን። ብእጅገይ ረሃጽ ካብ ግንባረይ ድሕሪ ምድራዝ፣ ካልኣይ ግዜ ኣትርር ኣቢለ ደገምኩ። ሕጂ’ውን ጸጥታ። ሳልሳይ ግዜ ኣትሪረ ክድርዖ ኢደይ ሓፍ ምስኣበልኩ፣ “መን ኢኻ!” ዝብል ቀጢን ድምጺ ኣድሃየ።

ጎረሮይ ጸሪገ፣ ድምጸይ መዚነ፣ “ኣነ!” ኣድሃኹ።

ስገም ዝተቖነነት ቀጣን መርዓት ገጻ ኣጺራ ማዕጾ ከፈተት። “መን ደሊኹም?”

ኣብ ማዕተባ ወርቂ ጎባጉብ እንተዘይርእየላ፣ ሓዳስ ካብ ገጠር ዝመጸት ሰራሕተኛ ገዛና ገይረ ምሓሰብክዋ። እንታይ ከምዝምልሰላ ጠፊኡኒ ተዓኒደ ከለኹ፣ “ልገሲስከ ካብቲ በሪ! እተዊ!” ዝብል ድምጺ ኣበራበረኒ። በተግ ኢላ ነቲ ማዕጾ ምስገደፈትሉ፣ ሽጉጥ ዝዓጠቐ ዕባይ ገጠር ዝመስል ድልዱል መንእሰይ ተኪእዋ ኣብ ፊተይ ተገቲሩ ቆመ። ጋሻ ምስሊ ግዲ ኮይነዮ ካብ ጽፍሪ እግረይ ክሳብ ርእሰይ ብጥርጣረ ፈተሸኒ’ሞ፣ ኣብ መወዳእታ ንዕቀት ብዝገልጽ ክምስታ፣ “መን ደሊኻ ዝሓወይ?” በለኒ።

“እንዳ ተወልደብርሃን ሃብተ?”

“ተወለብርሃን?”

“እ….እወ፣ ስም ኣቦይ’ዩ። ኣቦይ ተወልደብርሃን፣ ኣደይ ሓጎሳ? እዚ ገዛና’ዩ።” በቲ ማዕጾ ኢደይ ኣስሊኸ ናብ መንደቕ ገዛና ኣመልከትኩሉ።

ሃንደበት ክርትም ኢሉ ሰሓቐ። “ኣይ ጠሪሸ እንድየ ደንጊረ ጸኒሐ! ሕጅስ ተረዲእኒ። ኣብ ወጻኢ ትቕመጥ ዝነበርካ ወዶም ምዃንካ ዲኻ?”

ኣይ ሓጎስ ኣይ ሓዘን መንጎ-መንጎ ኮይነ፣ “እወ… እወ” በልኩ ብመጠኑ ተስፋ ተሰሚዑኒ።

ንእለቱ ገጹ ኮማቲሩ ኣዒንቱ ተኸለለይ።

“ኣብ ዝነበርካ ነይርካ፣ ገዛይ ዶ ንብረተይ ኢልካ ክትመጽእ ኣይትሓፍርን!”

ዝምለሶ ቃል’ኳ እንተዘይነበረኒ፣ መልሓሰይ’ውን ነቒጻ ኣብ ትንሓገይ ተጣበቐት። ርእሰይ ክዞረኒ ጀመረ፣ ሽጋራ ክውልዕ ደልየ ግን ኣይደፈርኩን።

“ከም ዓጋዜን ብጥይት ክንህደን፣ ከም ኣድጊ ብበትሪ ክንኩብኮብ፣ ከም ውላድ ከልቢ ኣብ ጉድጓድ ክንዳጎን፣ ከም ኣብ ሕማቕ ሕልሚ ዝኣተና ብቐትሩ ክንብህርርን ኣፍና ተዓቢሱ ምእዋይ ክኣብየና ከሎን ኣበይ ነይርካ?”

ስቕ።

“ጎልጎል ሰንበል ሸኾና ፈረስ ዝውሕጥ ደም ክትመልእ ከላ’ኸ ኣበይ ነይርካ? ኣብ ፈቖዶ ፈስቲቫላት ባንዴራ ተኸዲንካ ትስዕስዕ?”

“ኣ…ኣነ ምስኣቶም ኣይነበርኩን፣ ተቓዋሚ ኢየ ነይረ…ምስ ኣለናልኪ ኢየ ነይረ…” ድምጸይ ዕጽው-ዕጽው በለ።

ክርትም ኢሉ ሰሓቐ። “ኣለናልኪ ዶ ድማ በልኩማ። ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኮሓል ድዩ ዝተባህለ። እሞ ምስቶም ጻሕሊ ከይወረደ ዓጽሚ ዝመናጠሉ ኢኻ ነይርካ?”

ዓቕለይ ተጸንቀቐ።

“ስድራይ ኣበይ ኣለዉ!” ኣብ ጎሮሮይ ተሓኒቐን ዝጸንሓ ሰለስተ ቓላት ብዘይ ቁጽጽረይ ብናህሪ ተተኲሰን ወጻ። ብሃንደበታዊ ጭዳረይ ንድሕሪት በተግ ኢሉ ሽጉጡ ሃሰስ በለ።

“እንድዕላነኻ! ኣብ ዘይ ሰይጣነይ ከይተእትወኒ ካብዚ ተሎ ረሓቕ!” ማዕጾ ገም ኣቢሉ ኣብ ፊተይ ዓጸዎ።

2፣45 ድ.ቐ. ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ኣውራጃ ሓማሴን

 ሰዓት ሙሉእ ሪጋ ድሕሪ ምጽባየይ ካብ ውሽጢ’ታ ክፍሊ ቁጽረይ ተጸውዐ። ኣብ ፈለማ ዕስራታታ ትመስል ደሚቕ ማቲታ ዝተለኽየት ምልክዕቲ መንእሰይ ፍሽኽታ ለጊሳ ኮፍ ክብል ዓደመትኒ።

“እንታይ ኢዩ ጥርዓንካ?”

ትንፋስ ከይመለስኩ ኩሉ’ቲ ዘጋጠመኒ ተረረር ኣቢለ ዘርዘርኩላ። እቲ ናይቲ ገዛ ናይ ዕድጊ ውዕል’ውን ከም ዘሎኒ ሓበርክዋ። ስድራይ ክረኽበሉ ዝኽእል መንገዲ ክትሕብረኒ ትኽእል እንተኾነት ድማ ወሲኸ ተማሕጸንክዋ። ተራ ዕለታዊ ጸብጻብ ተዳምጽ ከምዝነበረት  ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስምዒት ተኸታተለትኒ።

“ሕራይ ኣቶ መድሃኔ፣ ታሴራ መንነትካ ዶ ክትህበኒ?” ኣድመጸት ምስ ወዳእኩ።

ነታ ወዲ ዕስራ ዓመት ከለኹ ምስ ኣውጻእክዋ ክሳብ ሽዑ ዓቂበያ ዝነበርኩ ታሴራ መንነት ኣቐበልክዋ። ንኽንዳኡ ዝምንዋሑ ዓመታት ከይተበጣጠሰት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምንባራ ኣኹርዓኒ። እታ ኣኽባሪት ሕጊ ንገለ ህሞት ብኽልቲኡ ገጻታ ገላቢጣ ድሕሪ ምንባብ፣ “ይቕረታ፣ እዚኣ ኣይትሰርሕን’ያ። እዚ ብህግደፍ ዝተዋህበ ታሴራ መንነት ኣይንቕበሎን ኢና”

“ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት እኮ ኢየ ካብዚ ወጺአ፣ ኣይተረድኣንን…”

“እወ ፈሊጠ፣ ብግዝያዊ ልፍንታዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ሓድሽ ካርድ መንነት ኣሎ፣ ጽናሕ ከርእየካ….”

ሓንቲ ሊላ ዝሕብራ ንእሽቶ ካርድ ካብ ኮመዲኖኣ ኣውጺኣ ኣርኣየትኒ። “ከምዚኣ የብልካን?”

ተደናገርኩ። “እዚኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዘለና ኤርትራውያን ተዓዲላ ነይራ?” ተገሪመ ሓተትክዋ።

“ኖኖኖ…” ካብ ኣፈይ ተቐበለትኒ። “ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝነበረ ጥራሕ’ያ ተዓዲላ”

ዝገደደ ሕውስውስ በለኒ። “እሞ ኣነ’ኮ ካብ ወጻኢ ሎሚ ንግሆ ኢየ መጺአ”

ኣይመለሰትለይን።

“ፓስፖርት’ኸ፣ ፓስፖርተይ ክህበኪዶ?” ልምልም ኢለ ሓተትኩ።

“ኣቶ መድሃኔ፣ ኣብ ግዜ ህግደፍ ዝተዋህበ ዝኾነ ይኹን ወረቐት መንነት ኣይሰርሕን’ዩ። ሕጂ’ኮ ካልእ ምዕራፍ’ዩ፣ ካልእ ታሪኽ…”

“ካልእ ምዕራፍ’ዩ እወ ዝኸበርኪ…” ስማ ስለዘይሓዝኩ ኣብ መንጎ ጋእ በልኩ። “እወ ሓድሽ ታሪኽ’ዩ ‘ዛ ጓለይ፣ ንሳቶም ግን እኮ ወረቐት እምበር መንነትና ኣይዓደሉናን… ኣነ ድማ በዚ ይኹን በቲ ኤርትራዊ’የ!”

እተን ቃለት ካብ ኣፈይ ምስ ወጻ ኣብ ኣእዛነይ ጋሻ ድምጺ ፈጠራ።

“ኣቶ መድሃኔ፣ ምሁር ኢኻ ትመስል፣ ኣነ ሕጂ ከስተምህረካ ኣይደልን። መንነት እምበር ዓዲሎምና!  ቁንጪ ዝተለበደ ገዛ ነጊፍካን ሓጺብካን ጥራሕ ኣይኣኽሎን’ዩ፣ ኩሉ ክዳውቲ፣ ኮቦርታ፣ ግዛዕ-ምዛዕ…ክቃጸል ኣለዎ፣ እቲ መንደቕ’ውን ኖራ ተለኽዩ ሓድሽ ሕብሪ ክልከ ኣለዎ። ብዝኾነ፣ እቲ ውዕል ዕድጊ ትብሎ ዘለኻ እንተመጸ’ውን ዕድል ግበር እምበር ከቢድ ኢዩ። ምኽንያቱ ቤት ጽሕፈት ውዕል ኣባይቲ’ውን ካብቶም ኣብ ግዜ ሰውራ ዝተሃሞኹ ኢዩ። ገለ ዘይተቓጸለ ፋይላት ግን ተሪፉ ኣሎ ሰሚዐ ነይረ”

“ተቓጺሉ?!”

“እወ፣ ንሳ’ኳ ክሓድግዋ ነይርዎም እብል ብወገነይ፣ ምኽንያቱ ገለ ተቓለስቲና ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ኣብ ዘይግቡእ ዝምታ ይኣትዉ ኣለዉ። እቲ ቤት ጽሕፈት ዜግነት፣ እንዳ ስነዳ፣ ኣርካይቭ እንዳ ዜና፣ ዝብልዎ ግን እንቋዕ ሓመድ ገበርዎ! ስነዳዶ ኣርካይቭ ኢሎም ዘሎን ዘየሎን ታሪኾም ጥራሕ’ዮም መሊኦሞ ነይሮም”

ሕልናይን ተስፋይን ካብ ነብሰይ ብሓንሳብ ከም ልብሲ ግፍፍ ኢሉ ኣብታ ዝነበርክዋ መንበር ራቖተይ ገደፈኒ። ነተን ናይ መወዳእታ ሓይለይ ኣኻኺበ ብላሕታት ድምጺ “ወለደይ ኣበይ እረኽቦም ጥራሕ ንገርኒ!” ኣድመጽኩ።

“ኣብዚ ከተማ ብሰንኪ ዝነበረ ጥምየት ብዙሓት ሰባት ናብ ገጠራት መበቆሎም ተመሊሶም ማሕረስ ዝጀመሩን ምስ ቤተ-ዘመድ ዝተዓቑቡን ነይሮም። ምናልባት ተመሊሶም ከይኮኑ ናብ መበቆል ዓድኻ ኬድካ ክትደልዮም ፈትን፣ ረቢ ይሓግዝካ”

ነቲ ፋይል ዓጽያ፣ ክወጽእ ተጸበየትኒ።

5፣00 ድ.ቀ. ጎደና ሓርነት ነበር

 ናብ ዓድና ትኸይድ ኣውቶቡስ ሽዑ ምሸት ስለዘየነበረት፣ ትኬት ናይ ንጽባሒቱ ትወስደኒ በራሪት  ቆሪጸ ዝሓድረሉ ሆቴል ሓዝኩ። ንማእከል ከተማ ኣስመራን ንጎደና ሓርነትን ንምዕዛብ ዝበለጸ ኣቀማምጣ ስለዘለዋ ኣብ ኣምባሳደር ሆቴል ኢየ ክፍሊ ሒዘ። ካብታ ንበይና ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ኮይና ጸጉራ ክትፈትሕ ዝጸንሓትኒ ኣዝያ ማዕኳር ሰበይቲ መፍትሕ ተረኪበ ሳምሶናይተይ ድሕሪ ምቕማጥ፣ ግልብጥ በልኩ፣ ኣስካላ ወሪደ ድማ ናብቲ ጎደና ተጸንበርኩ። ክሳብ ሽዑ ዓሪፈ ኮፍ ስለዘይበልኩ ደኺመ ነይረ፣ ጥምየት ከብደይ ዝገድድ ስለዝነበረ ግን ተደሪረ ምምላስን ነታ ንዓሰርተታት ዓመታት ብሕልሚ ዝተመላለስክዋ ጎደና ብእግረይ ምርጋጽን ከጽንሖ ዝኽእል ኣይነበረን።

ናብታ ኣብ ፊተይ – ስግር ጽርግያ፣ ዝነበረት ካቴድራለ ኣቋመትኩ። ከም ቀደማ ነቲ ከባቢ ዓብሊላቶ ነይራ። እቲ ሰፊሕ ናይ ሉሕ በሪ እናሻዕ ክኽፈትን ክዕጾን፣ ብብዝሒ ድማ ቈልዑ ክኣትዉን ክወጹን ስለዝረኣኹ ግን ዘይንቡር ኮይኑ ተሰምዓኒ።  በቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ መሳገሪ ኣጋር ክሰግር ፈቲነ ብሰንኪ ጻዕቂ መካይን ኣይከኣልኩን። ሓያሎ ወተሃደራውያን መካይን ነቲ ቁጽሪ ተሽከርከርቲ ተጸንቢረንኦ ነይረን። ናብቲ ሴማ ፎሮ ዝነበሮ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይቲ ጽርግያ(ጥቓ ስዊት ካፈ ነበር) ከይደ ክሳገር ግድን ኮነኒ። እቲ ኣጋር ዝነበረ ብዝሒ መንእሰያት ግን ካብቲ ዝዝክሮ ዝወሰኸ ወይ ዝነከየ ኮይኑ ኣይተሰመዓንን።

ኣስካላ ካቴድራለ ደዪበ፣ ማዕጾ ደፊአ እትው ክብል ዋጭዋጭታ ቈልዑ ተቐበለኒ። እቲ መቐመጢ ምእመናን ሰድያታት ተላዒሉ፣ ብሙሉኡ እቲ ሰፊሕ ምድርቤት፣ ኣረጊት ኮቦርታን ባኮታትን ኣንጺፎም ዝደቀሱ፣ ኮፍ ዝበሉን ዝዘሉን ቈልዑ ኣዕለቕሊቖሞ ነይሮም። ገለ ኣብቲ ልዕሊ መንበረ ታቦት ሓዂሮም ንታሕቲ ይዘሉ፣ ገለ ድማ ብናይ ካልሲ ኩዕሶ ቅብቅብ ይጻወቱ ነበሩ። ብኣግርሞት ኣፈይ ከፊተ ነቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ትርኢት ትርጉም ከልብሶ እናተጋደልኩ እንከለኹ፣ ብመንጎ’ቶም ዝደቀሱ ህጻናት እናዞሩ ካብ ሰንኬሎ፣ ሩዝ መሳሊ መግቢ ዝዕድሉ ዝነበሩ ጻዓዱ ርኣኹ። ክሳብ ኣብ ጥቓይ ዝበጽሑ ተጸብየ ናብታ መንዲላ ካብ ደናግል ምዃና ዝሕብር ሓንቲ ቅርብ ኢለ፣ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሓተትክዋ።

“ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ኲናት ዝዘኽተሙ ኢዮም። መጀመርታ’ኳ ድሕሪ ምውዳቕ ህግደፍ፣ ካብ ምፍዳይ ሕነ ዝፈርሑ ሰባት ኢዮም ተዓቚቦምሉ ነይሮም፣ ደሓር ድሕሪ ምሕረት ምእዋጁ ግን ንሳቶም ለቒቖም እዞም ግዳም ሓደር ኮይኖም ዝነበሩ ህጻናት ተኪኦሞም። ክሳብ ዝከኣለና ክንሕግዞም ንፍትን ኣለና”

ቅዱስ ተግባር ምዃኑ ኣረጋገጽኩላ።

“ሰብ ንጸሎት ምምጻእ ካብ ዝገድፎ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ፣ እንተወሓደ እዚ ቤት ካብ ባዶ ምዃን ድሒኑ ኣሎ” ፍሽኽ በለት።

“ሰብ ምምጻእ ገዲፍዎ?”

“እወ፣ ዓቢ መከራ ምስ ኣምላኽ ወይ ኣጸቢቑ የቀራርበካ ወይ ድማ ጥራሽ ኢዩ ዘባትኸካ። ድሕሪ’ቲ ኩነታት ብዙሕ ሰብ ብፍላይ መንእሰይ እምነቱ ኣጥፊእዎ። ንሕና ግን ገና ተስፋ ኣይቆረጽናን፣ ዋላ’ውን ብንእሽቶ መንገዲ ነዚ ህዝቢ ብፍቕሪ ኣምላኽ ከነጸናንዖ ኢና ንፍትን ዘለና፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይብሉ ህዝቢኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ሃገር ክኸውን?”

ካብ ንግሆ ኣትሒዘ ብዙሕ ዘይመለስክዎ ሕቶታት ስለዝነበረኒ ተወሳኺ ሕቶ ኣይደለኹን፣ ክኸይድ ተበገስኩ።

“ወፈያ ክትገብር እንተደሊኻ፣ ኣብቲ ጥቓ መውጽኢ ኣላትካ ካሳ” ኣመልከተትለይ ክምስታ ኣሰንያ።

ኣነ’ውን ብግዲ ክምስታ ፈቲነ ተፋነኽዋ። ጥቓ’ታ ካሳ ምስ በጻሕኩ ኢደይ ናብ ጁባይ ሰዲደ ሓንሳብ ሰጋእ በልኩ። ሽዑ’ውን ሽሩፍ ኣይነበረንን። ገጸይ መሊሰ ካብቲ ኣደራሽ ወጻእኩ።

ናብ ሓንቲ ጋዜጣ ዝሽየጠላ ዝነበረ ንእሽቶ ባንኮ ኣላገስኩ። ክልተ ኣእዛኑ ዝተሰቑረ በዓል ገዚፍ ጋዕሲ ክምስምስ እናብዝሐ “እንታይ ክሰምዓካ ዓምና?” ሓተተኒ።

“ሽሩፍ ደልየ ነይረ፣ ጋዜጣ’ውን ምገዛእኩ። ግን ጥቕሉል ጥራሕ’ዩ ዘለኒ”

“ክንደይ ኢያ?”

“ሚእቲ ዶላር”

“ሃበኒ ዓምና፣ እዚኣ ደኣ እንታይ ኣለዋ” በለኒ ሰሓቑ ክቆጻጸር ከይፈተነ። “ሽሩፍ ኣብ ጁባኻ ምሓዝ ጽቡቕ ኢዩ” ቀጸለ ኣብ መንጎ ፋጻ።

“ሓደ ዓርክና ነይሩ ኩሉ ሳዕ ኣብ ጁባኡ ጥቕሉል ጥራይ ዝጸንሖ፣ ካብ ጥቓኡ ዘሎ ሰብ ወሲዱ ይኸፍል፣ ይኸፍል ነይሩ። ኤእ! ድሓር ጽብጽብ እንተበልካስ ሰፍ ዘይብል ጥቕሉል ዕዳ ኮይኑሉ!” ካዕካዕ ኢሉ ሰሓቐ። “ኣብ እዋኑ ሽሩፍ ጌርካ ምኽፋል ኢዩ ግርም፣ ጥቕሉል ዕዳ ግናይ፣ ዓምና!”

ናብ ሓንቲ ቤት ቁርሲ ኣትየ ኣብ ሓንቲ ጸግዒ ተቐመጥኩ’ሞ ክሳብ ኣሳሳዪ ዝመጸኒ ካብተን ዝገዛእክወን ኣርባዕተ ጋዜጣታት ነታ ‘ጽጌናይ’ ትበሃል ኣቓልቦይ ዝሰረቐትኒ ኣልዓልክዋ። መጸውዒት ናይ ሓንቲ ካብተን ሓደ ዘመን ኣብ ኤርትራ ጀሚረን ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ ምንባራ ዘኪረ ነቲ ስም ኣሰናዳእቲ ንምፍላጥ ብታህዋኽ ገንጸልኩ። ኣብቲ ዝርዝር ኣሰናዳእታ እቲ ዝዝክሮ ናይ ቀደም ኣዳላዊኣ ስሙ እኳ እንተዘይነበረ፣ ብቐረባ እፈልጦም ናይ ዝነበርኩ ነዊሕ ተኣሲሮም ዝነበሩ ካልኦት ጋዜጠኛታት ስም ግን ጸንሓኒ። ነቲ ኣርእስታት ሕልፍ ሕልፍ እናበልኩ ኣንበብክዎ።

“ክቡር ኣዛዚ ሰራዊት ሕድሪ ኮለኔል እምባየ ከሰተ ምስ ኣቦ መንበር ሰልፊ መንእሰያት ተዘራሪቡ”

“ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምቛም ምድላዋት ይካየድ”

“ልኡኽ ጉዳያት ወጻኢ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ጉዲና ዋኮ ዕዉት ዝርርብ ከምዘካየደ ገሊጹ”

“ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ብልዑል ናህሪ ይቕጽል”

ናብ ሳልሳይ ገጽ ሰጊረ ነቲ ኣርእስታት ሽው እናበልኩ ሓለፍክዎ።

“ግፍዕታት ህግደፍ እንክዝከር፣ ሶፍያ ሃብተማርያም” (ዝተለሓሓጸ ሕቖ ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ስእሊ ይርአ)

“ሕጂኸ ኤርትራ ናይ መን’ያ? ዮናስ ሓይልኣብ”

“ሰውራ ለውጢ ኣብ ዓመቱ፣ ሳልሕ ኣሕመድ”

ናብ ራብዓይ ገጽ ክግንጽል ከለኹ፣ “እንታይ ክንእዘዝ?” ዝብል ዓርናስ ድምጺ ኣብ ልዕለይ ኣድሃየ። ነታ ጋዜጣ ኣቐሚጠ ኣንቃዕረርኩ። ስቤት ዘር ዘበለ ግሩም ሰብኣይ’ዩ። ሓንቲ ጻዕዳ ጥብሲን ቢራን ኣዘዝኩ።

ተመሊሰ ጋዜጣይ ኣልዒለ ብልዕሊኣ ቆላሕታይ ብምስዳድ ነቲ ሰብኣይ ክጥምቶ ክብል ዓይኒ-ንዓይኒ ተጋጠምና። ክምስ በለኒ። ኣዒንተይ ናብቲ ገጽ መሊሰ ከንብብ ፈተንኩ። ካብ ሰለስተ መስመራት ንላዕሊ ግን ኣትኪለ ከንብብ ኣይከኣልኩን። ውሽጠይ ተረቢሹ ነይሩ፣ ተረቢሹ ጥራሕ ዘይኮነ ግን ዕፍን ኢሉ። ኣብ መንጎ ዘይፈልጦ ቋንቋን ህዝቢን ከምዝነጠበ ጋሻ ሰብ፣ ብርቱዕ ጽምዋ ተቖጻጸረኒ። ልቢ ድፍን ዘብል ጽምዋ። ምስሊ ወለደይ፣ ኣሕዋተይ፣ ፈፈንጢሱ እናመጸ ሓቖነኒ። ኣበይ ይህልዉ? ከመይ ይህልዉ? ኩላቶም ብሂወቶም ዶ ይህልዉ?

ነታ ጋዜጣ ምስተን ካልኦት ጠቕሊለ ኣቐሚጠ ነቲ ቤት-መግቢ ብዓይነይ ኮለልክዎ። ነቲ ሰብኣይ’ውን ሕልፍ በልክዎ፣ ገና ናባይ ገጹ ይጥምት ነይሩ።

ድሕሪ ኣዝዩ ዝነውሓኒ ትጽቢት እቲ መግቢ መጸ።

“ጋሻ ዲኻ ዝሓወይ?” ደኒኑ ቢራ እናኸፈተለይ’ዩ። “እንቋዕ ደሓን መጻእኻ” መልአ መልሰይ ከይሰምዐ።

“ሃገር’ሞ ከመይ ጸኒሓትካ?”  ምስ ወሰኸ፣ ቅንዕ ኢለ ጠመትክዎ። ኣብ ክንዲ መልሲ ግን ግይጽታ ገይረ ክሓልፎ መረጽኩ።

“እንታይ ፈሊጥና ኢልካና ኢኻ፣ ማንም ቆልዑ ሃገር ተቖጻጺሮማ ኣንሀልካ። መን ከኣ ኣብዚ ኣውዲቑና ኢልካዮ…ስርዓት ገይሮም ስልጣኖም ከየመሓላልፉ እንሀልካ ሕጂ ሃገር ነበረያ ነበረ ገይሮማ ጠፊኦም። ካብ ሕጂ ግን ሽዑ ይሓይሽ ብዕጽፊ፣ ደሞዝና ፍሉጥ ስራሕና ፍሉጥ ነይሩ። ሕጂ እንሀልካ በብቕልጽምካ ኮይኑ!”

እቶም ተዛሪቦም ዘዛርቡ ዝነበሩ ‘ናይ እዝኒ’ እንብሎም ዝነበርና ስሩዓት ስለዝተዘከሩኒ ነቲ ሰብኣይ ኣይኣመንክዎን፣ ስለዚ ድማ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጠብኩ።

ብህርፋን ድሕሪ ምምጋብ፣ ሕሳብ ክኸፍል ኣብ ካሳ ቆምኩ። ኩለንትናኣ ነታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዘዘራረበትኒ መንእሰይ ትመስል ጓል ኢያ ነይራ ተቐባሊት ሕሳብ። ሰልዲ ተቐቢላ ማልስ እናቐረበትለይ፣ “እዚ ኣረጊት ዝብኢ ድኣ እንታይ’ዩ ክብለካ ጸኒሑ?” በለትኒ።

“እ…?” በልኩ ሕቶኣ ሃንደበትን ዘይንጹርን ኮይኑኒ።

“ንነፍሲ ወከፍ ካብ ወጻኢ ዝመጸ ከምኡ ኢሉ ኢዩ ከደናግር ዝፍትን፣ ቈልዑ ሃገር ተቖጻጺሮማ….ሃገር ዓንያ…..ዝገደዱ መጺኦምና ክብል ኢዩ ዝውዕል፣ ቤተ-ሰብ እንተዘይነብር ቀደም ካብዛ ስራሕ መባረርክዎ!”

ሕጂ’ውን ዝምልሶ ኣይነበረንን።

“ቆንቋናት! እዚኦም ከይጠፍኡ’ኳ ሰላም የለን፣ ብመግዛእቲ ንዝላደየ ሓንጎል መቐረት ናጽነት ከመይ ኢሉ ይርድኦ ብቐደሙ! ሕጂ መንእሰይ ክሓልፈሉን ክሕጎስን ክርእዩ ከለዉ ዓይኖም ምኽኣል ኣብይዎም በቃ! ነቲ ንሳቶም ዘምጽእዎ ሽግር ክፈትሕ ሂወቱ ዝወፈየ ሰውራዊ ከካፍኡ ምውዓል ስራሖም ገይሮሞ!”

ካብታ ቤት መግቢ ወጺአ ናብቲ ጎደና ተጸምበርኩ። ሓደ ወንጌላዊ መጽሓፍ ቅዱስ ክብ ኣቢሉ  እናወጣወጠ፣ ኣብቲ መእተዊ ኣስካላ ናይ ካቴድራል ኮይኑ ይሰብኽ ነይሩ። ርእሰይ ኣድኒነ ስጉምተይ ቀጸልኩ።

ጥዑም ንፋስ’ዩ ነይሩ፣ ጸሓይ’ውን ኣብ ጥቓ ምዕራባ ስለዝነበረት ልዙብ ዋዒን ሰሓቢ ብርሃንን ነቲ ጎደና ፈሲስዎ ነይሩ። ይኹን እምበር ከስተማቕሮ ባህጊ ኣይሓደረንን፣ ባህገይስ ብቅልጡፍ ናብ ክፍለይ ተመሊሰ ማዕጾይ ረጊጠ በይነይ ክኸውን’ዩ ዝነበረ።

6፣45 ድ.ቀ፣ ኣምባሳደር ሆቴል

 ኣብ ዓራት ናይታ ዝሓዝክዋ ክፍሊ ጥንቅልዒት ደቂሰ ናብ ናሕሲ እጥምት ኣለኹ። ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ክሓስብ ኣይከኣልኩን፣ ውሽጠይ በረውረው ኢሉ ባዶ ኮይኑ ነበረ። ከም ማርሞ፣ ከምኡ ኢለ ደሪቐ ልዕሊ ክልተ ሰዓት ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሓሲበ ዘይጸዋዕክዎ ንብዓት ብክልተ መታልሐይ ወረር ኢሉ ወሪዱ እዝነይ ኣተርከሰኒ። ምኽንያት ንብዓተይ ናብ ሓደ ዝጥርነፍ ኣይነበረን፣ ከይተረደኣኒ ዝተረዳእክዎ ምኽንያት’ዩ። ብርቱዕ ድላይ ብኽያት ተቖጻጸረኒ። መጀመርታ ብዘይ ድምጺ ጀሚረ ደሓር ናብ ነኽኒኽታ፣ ናብ ከብዲ ዘቑስል ኒኽኒኽታ ተሰጋገርኩ። ብመላእ ኣካላተይ ዳርጋ ሰዓት ሙሉእ ድሕሪ ምብካየይ ዘፍ በልኩ። ገለ ከቢድ ጾር ብኸፊል ከም ዘራገፍኩ ፍኹስ በለኒ፣ እቲ ካብኡ ዝበለጸ ግን እቲ ኣቐዲሙ ምሕሳብ ኣብዩኒ ደንዚዙ ዝነበረ ኣእምሮይ ብንጹርነት ክሓስብ ምኽኣሉ ነበረ። ገጸይ ተሓጺበ ናብቲ መስኮት ብምኻድ ነቲ መጋረጃ ቀንጢጠ ነቲ መስኮት ጋህ ኣበልክዎ። ተጸጊዐ ክሳደይ ንደገ ብምስዳድ ድማ ድንን ኢለ ንታሕቲ ጠመትኩ። ስምዒተይ ናብ ሓንቲ እክብ ኢሉ ንጽር በለለይ’ሞ፣ ካብ ጁባይ ፒሮ ኣውጺአ ነታ መኽደና ንታሕቲ ደርበኽዋ። ኣብ ባዶ ሃዋሁ ከተንቆልቁል ጸኒሓ ድሕሪ ሒደት ካልኢታት ኣብ ባይታ ዓረፈት። ጉዕዞኣ ጉዕዞይ – እቲ ጉዕዞ ኤርትራዊ – ኮይኑ ተሰምዓኒ። ድምጺ ግጭታ ኣይሰማዕክዎን፣ ኣበይ ከምዝዓለበት ግን ብንጹር ተራእየትኒ።

ጽባሕ፣ ኣንጊሀ ነብሰይ ንምርካብ ክወፍር ኢየ። እንተዘይሰሊጡኒ ግን ድሕሪኡ ካልእ ጉዕዞ ኣይክገብርን’የ፣ ደኺመ ኢየ። ክሳብ ሎሚ ኣይዓረፍኩን። ሕጂ ግን ኣበይ ከም ዝዓርፍ ብንጹር ፈሊጠ ኣለኹ።

24-05-2027
ኣስመራ

 

 

 

 

 

 

 

Advertisements

One thought on “ጥቕሉል ዕዳ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s